ኣብ ምምሕዳር ከተማኻ ምምራጽ

Steg 1 for å stemme
ክትጥቀመሉ እትደሊ ናይ ምርጫ ወረቐት ዕንቊ ምረጽ።
Steg 2 for å stemme
ኣብ ናይ ምርጫ ወረቐት ዝዀነ ይኹን ለውጢ ግበር።
Steg 3 for å stemme
እቲ ናይ ድምፂ መውሃቢ ወረቐት ዕፀፎ፣ ምክንያቱ ድማ ስም እቲ ዝመረፅካዮ ወገን ብውሽጢ ኾይኑ እቲ ማሕተም ድማ ኣብ ድሕሪት ደጋዊ ክፋል ናይቲ ወረቀት ምእንቲ ክኸውን፡ ምኽንያቱ ንመን ትመርጽ ከምዘሎኻ ምእንታን ከይፍለጥ። እቲ ናይ ደምፂ መውሃቢ ወረቐት ኣብ ውሽጢ ቡስጣ ወይ ካልእ ሽፋን ኣይተእትዎ።
Steg 4 for å stemme
ናብ ሓደ ብዓል ስልጣን ምርጫ ኪድ፣ መለለዪ መንነትካ ኣርእዮ፣ ከምኡ ውን ኣብ ደጋዊ ክፋል ማሕተም ዘለዎ ናይ ድምፂ መውሃቢ ወረቐት ተቐበል። እቲ ናይ ድምፂ መውሃቢ ወረቐት ተቐባልነት ምእንቲ ክረክብ ማሕተም ክግበረሉ ኣለዎ!
Steg 5 for å stemme
ነቲ ማሕተም ዝተገብረሉ ናይ ድምፂ መውሃቢ ወረቐት ኣብቲ ሳፁን መውሃቢ ድምፂ ኣእትዎ፡፡
ናይ ድምፂ መውሃቢ ወረቐት ምቕያር

ኣብቲ ናይ ምርጫ ወረቐት ዝተወሰነ ለውጢ ክትገብር ትኽእል ኢኻ ነቲ ናይ ድምፂ መውሃቢ ወረቐት ምቕያር ነቲ እትመርጽዎ መጠን ኣይጸልዎን እዩ። ብኸመይ ለውጢ ኽትገብር ከም እትኽእል ዝገልጽ መምርሒ ኣብ ናይ ድምፂ መውሃቢ ወረቐት እውን ክርከብ ይከኣል እዩ።
Endre rekkefølge på kandidatene
መስርዕ እቶም ሕጹያት ምቕያር
ነቶም ሕጹያት በየናይ መስርዕ ትመርጾም ከም ዘለኻ ንምሕባር፣ ኣብቲ ሳጹን ብጸጋማይ ሸነኽ ስም እቲ ሕጹይ (ሓድሽ) ቍጽሪ ኣእቱ።
Stryke kandidater
ሕጹያት ምስራዝ
ብየማናይ ሸነኽ ናይቲ ክትስርዞ እትደሊ ሕጹይ(ያት) ዘሎ ሳጹን ምልክት ግበር።